Hello

Hello

Alem

ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ማዕርነትን ፍትሒን፣ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምንን፣ ፈታዊ ሕብረትን ሕውነትን፣ ብዘይካ ሓርነቱን ሰብኣዊ ክብረቱን ምውሓስ ዘይናቱ ዘይደሊ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ዴሞክራሲያዊትን ንኹሉ ዜጋ ማዕረ እትብፀሖ ዓዲ ንምህናፅ ሕልፊ ዋጋ ዝኸፈለ ጅግና ህዝቢ ምዃኑ ብተጋድሉኡ ኣመስኪሩ እዩ።


እዚ ትእምርተ ፅንዓት ዝኾነ ህዝቢና ካብታ ቅንዕቲን ትኽክለኛን መስመሩን እምነቱን ንፃት እውን እንተኾነ ሸብረኽ ከብልዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ ሕዚውን ከም ትማሊ ኣብ ፅላል ውድብና ህወሓት ብምዕሳል፣ ኣብታ ሕጋዊን ፍትሓዊትን መስመርና ሸኺልና፣ ናይ ፀላእትና ተኸታተልቲ ወፍሪታት ክብርዕኑ ብምግባር፣ ምዕብልቲን ምዕርግቲን ትግራይ ንምህናፅ እዚ ፍልፍል ዘይነፅፍ ዓወት ዝኾነ ክብሪታት ናይ ትማሊ ዓጢቕናን ምስ እዋኑ ኣማዕቢልና ክንምርሽ ይፅውዕ።

ሰላም!

Report Page