39

39

@Nathy


ምርግጋፅ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምምሕዳርን ህዝብታት ክሳብ ምግንፃል መሰሎም ብዘይገደብ ክረጋገፀሎም ኣለዎ ዝብል ቁልፊ መለለይ ፖለቲካዊ እምነት ህወሓት እዩ!!! !!! !!!



ሕቶ ብሄር፣ ሕቶ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት፣ ብሓፂሩ ወሳንነት ህዝቢ ውድብና ህወሓት ንዋጋ ዕዳጋ ኣሕሊፉ ዘይህብ፣ ዘይደረዳረሉን መሰረታዊ መለለዪ እምነቱ እዩ፡፡ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ኢሉ ተቓሊሱ፣ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ዝተዓወተ ውድብ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት የማነ ፀጋም ከይበለ ክኽበር ተቓሊሱን ኣቃሊሱን እዩ፡፡ ህዝቢታት ኣብ ሰናይ ድሌየቶም፣ ነፃ ኣተሓሳስበኦም ‘ምበር “ኣነ ዝበልኩኻ ስማዕ፣ ኣነ እየ ዝፈልጠልካ፣ ኣነ ዝበልኩኻ ግበር” ንዝብሉ ሓይልታት ቅድሚት ኮይኑ ተቓሊሱ ዝተዓወተ ውድብ እዩ፡፡

ህወሓት መሰል ዓርሰ ውሳነ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ክሳብ ምግንፃል መሰሎም ክኽበረሎም ኣብ ሕገ- መንግስቲ ብድሙቕ ቀለም ክፃሓፍ ዝገበረ ውድብ ‘ዩ። ብተግባር ህዝብታት መሰል ዓርሰ ውሳነኦም ክሳብ ምንፃል መሰሎም ብዘይገደብ ክኽበረሎምን ውሕስና ክረኽቡን ዘረጋግፅ ዓንቀፅ 39 ውሑስ ዝገበረ ውድብ እዩ። ከምዚ ዝበለ ቅዋም ሒዙ ተቓሊሱ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣስፊሩ ዘተግበረ ሓይሊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ እዛ ዓለም የለን፡፡ ብሓፈሻ ከም ህወሓት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዝተቓለሰ ሓይሊ የለን፡፡ ህወሓት ካብ ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝፍለየሉ ቁልፊ መለለዪ እምነቱ ከዓ እዚ እዩ፡፡


ህወሓት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ዝተዋደቐ፣ ተቓሊሱ ዘተግበረ፣ ዘይንቕነቕ መሰል ህዝብታት ክኸውን ዝተጋደለን ዘጋደለን ንድሕሪት ዘይምለስ መስመር ህዝብታት ኮይኑ ክወፅእ ዝገበረ ውድብ እዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ወሳንነት ድማ ቁልፊ መለለዪ እምነቱ እዩ፡፡ ውድብና ስልጣን ክብል ከሎ እውን ማእኸሉ ናይ ህዝቢ ስልጣን ማለቱ እዩ፡፡ እዚ ሙሉእ ዘይጉድል መሰል ህዝቢ እዩ ኢሉ ኣሚኑ ዝቃለስ መስዋእቲ ዝኸፍል ውድብ እዩ፡፡

ውድብና ህወሓት “ወሳኒ ህዝቢ እዩ፣ ታሪኽ ዝሰርሕ እውን ህዝቢ እዩ” ኢሉ ብፅንዓት ዝኣምን ‘ዩ። ናይ መጀመርታን መወዳእታን እምነት ውድብና ድማ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ካብዚ ወፃእ ንውድብና ኣያን ጎይታን ክኾኖ ዝኽእል ካሊእ ምድራዊ ሓይሊ የለን፡፡ ክነብር እውን ኣይኽእልን፡፡ ኩሎም እምነታት ውድብና ካብዚ መሰረታዊ ሓቂ ይፍልፍሉን ይቕድሑን፣ መበገሲኦም ከዓ ንሱ ይኸውን። ህወሓት መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ክትግበርን ክኽበርን ብፅንዓት ተቓሊሱ እዩ። ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና እውን ንመሰረታዊ መለለዪ እምነትና ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነ ተቐቢሎም በዚ ልክዕ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ዕድል ተፈጢሩ ‘ዩ። ነዚ መሰረታዊ እምነትና ተፃሪሮም ደው ዝበሉ ህዝብታት የለውን፡፡ ክነብሩ እውን ኣይኽእሉን፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ ህዝቢታት ኢትዮዽያ ንመሰረታዊ እምነት ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ኣይፀልኡን፣ ፀሊኦም ‘ውን ኣይፈልጡን፤ እንትንብል ካብ ተራ ነገር ተበጊስና ክንብል ስለዝደለና ኣይኮነን፡፡ ነዚ ብተግባር ዘረጋገፅዎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ክፃረሩ ኣይኽእሉን ማለትና እዩ። ብኣንፃሩ እምነት ፀላእትና ድማ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን ህዝብታት ተፃሪሮም ደው ይብሉ፣ ብመሰረቱ ድሌት ህዝቢታትን ድሌት ፀላእትን ክዕረቕ ኣይኽእልን፡፡ ብተግባር ንሪኦ ዘለና ሓቂ እውን ንሱ እዩ፡፡ ካብዚ ወፃእ እውን ክኾን ኣይኽእልን፡፡ ስለዚ ንሕናን ካሎኦት ሓይልታትን ዝፈልየና መሰረታዊ ነገር ኣብ ህዝቢ ዘለና ውግንናን እምነትናን እዩ፡፡ እዚ ቅዋም እዚ ‘ውን ናይ ትማሊ፣ ናይ ሎሚ፣ ናይ ፅባሕ፣ ናይ ወትሩ ነቕ ዘይብል እምነት ህወሓት እዩ፡፡



🔘⚪️🔘ንጠንቀቅ

🔘⚪️🔘ንፈናተት

🔘⚪️🔘ኢድና ብተደጋጋሚ ንተሓፀብ

🔘⚪️🔘ኣብ ገዛና ንኹን

🔘⚪️🔘መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (Mask) ንግበር።


💉Stay Home save lives.

💉ኣብ ገዛና ንኹን ሂወት ነድሕን።

፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧🦋🥀🦋፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧፧


@Dweyane1967

@Dweyane1967bot

Report Page